If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ጠዓመ ወልደሚካኤል

ፈቴያ(fetieya)

ኣብ ሞንጎ ኣዋልድ ብዓይኒ ናይ ማዕዶ ርኤያ
ኣሻባ ግን እንድዒ ኣብ ልበይ ኣትያ ፈትየያ
ከደረይቲ እያ ኮኾባይ እዩ ዓይና ኩሑላይ ማሪኻትኒ
ኮኾበይ ኮኾበይ

ሒዋ’ዶ ይኸውን ንሳ ከምዚ ከማይ ዘየሰድድ ፍቕሪ
ዓቕልኻ ዘጽብብ ዘይወግሕ ለይቲ
ማንም ዘይርእዮ ስቓይ ውሽጢ ልቢ
ኣብ በይነይ ኮይኑኒ ሚዛኑ ናይ ፍቕሪ
በርቲዑኒ ሰኸም ፈውሲ ስኢነሉ
ዘይተፈልጠ ምስጢር ቆላሕታ ብወዝቢ ገዲፍለይ መዘዝ

ንሳ ኣይፈለጠት ኣነ ኣይነገርክዋ
ብፍቕሪ ምሕማመይ ምጭውቲ ጓል ሄዋን
ኣነስ ኣይከኣልኩን ክዛረብ ምስጢረይ
ዓይና እንተረኣኹ ኣነ ተለኽተ ኣፈይ
መልእኽተይ ናብ ኮኾብ መን እዩ ዘብጽሓለይ
ናይ ልቢ ፍቕሪ ሰብ ኣሎ በሉለይ

በቲ ተሓልፈሉ መገዲ ገዝኣ
ከማዕዱ ክኸይድ ዓይነይ ንኽሪኣ
ልበይ ገዲፈላ ኣካለይ ክምለስ
እንድዒ ናታ አምበር ተዘኒበ ኣነስ
ጋሻ ኣሎ ኣብ ግዳም ኢልኩም ንገሩለይ
መርሓባ ክትብሎ ክትቅበሎ ልበይ
ኮኾብ ንዒ ኮኾብ በይነይ
ልበይ ኢሉልኪ ሃነይነይ
ገዛኢት ልበይ ኮኾበይ
ሰማይ ደይቡ ትጽቢተይ
ክሳብ መዓስ እዩ ምስጢር ዓይኒ ናይ ምዕዶ
ብሃልሃልታ ፍቕራ ንበይነይ ክነዶ


ንሰኺ ሂወት መድሃኒት ጭንቀተይ
ፍትውተይ ንዕኒ ንዓኺ እዩ ቤተይ