If the Tigrinya letters on our site do not display properly, click here for help
If you are using a Microsoft Windows computer, download either GeezMahtemUnicode Font OR Download GeezTypeNet Font and save it under your system's "Fonts" folder.
If you are using an Andriod based phone, Download GeezIME for Android

Apple iPhones and iPads do not have support for geez fonts

ኢሳቕ ስምኦን

ኣቅሲንክኒ()
ሓንሳብ ዝፍልሞ ዝዛረቦ ኣለኒ
ናይ ልበይ ናይ ውሽጠይ እቲ ዝስመዓኒ
ምስቲ ዝፈርሖ ሰብ ተራኢኺ ኢሎምኒ
ክሰግእ ጀሚረ ከይምንጥለኒ
እዚ ከኣ ኢዩ ንዓይ ድቃስ ዝኸልኣኒ

ሓንሳብ ዝፍልሞ ዝዛረቦ ኣለኒ
ናይ ውሽጠይ ናይ ልበይ እቲ ዝስመዓኒ
ምስቲ ዝጥርጥሮ ተራኢኺ ኢሎምኒ
ምስቲ ዝፈርሖ ሰብ ተራኢኺ ኢሎምኒ
እዚ ከኣ እዩ ንዓይ ሰላም ዝኸልኣኒ

የዕሩኽ መሓዙተይ ከምቲ ዘዕለሉኒ
ምሳኻ ምሕዳራ ምስ ካልእ ምውዓላ
ኩነታታ ዓርከይ ኩሉ ሕተተላ
መሚኻ ፍለጦ’ቲ ሓቀኛ ምስላ
ኣብዚ ርኢናያ ምስ እከላ ነይራ
ኣይፈጥካን እንበር ተረሲዕካ ኢኻ
እናበሉ ሓንጎለይ ዝርምሮ ኣእትዮምለይ

ይፈርሕ ኣለኹ ነበረ ከይከውን
እዚ ዝበሃል ዘሎ ሓቂ እንተኮይኑ
ዓሚቅ ዝሰረቱ ፍቅርና ከይዓኑ
ፈርከሽከሽ ከይብል ኳና መንደቅ ኮይኑ
ከይሓባእኪ ፍቅረይ እስከ ንገርኒ
ኣብ ኢሎማ ኢሎማ ኣገላግልኒ
ዘይረኣኹ’ሞ ባዕለይ ክኣምኖ ኣይደልን
ወደን ጓላን ኩላ ካብ ኣፍኪ ትሕሽኒ

ኣይትእመኖም ዝበልዎ ኩሉ ሓሶት ኢዩ
ምስ በልክኒ ቅርጸይ ኣቅስንክኒ
ንዓይ እመን ኢልኪ ኣቅሲንክኒ
ወዮ ዝጥርጥሮ ነጻ ኮይኑ