| ሃሊሉ ንዝመጻካ ኣድጊ ኣኽቢድካ ጸዓኖ | 
| ሃላይ ሰበይቲ ጸብሓ ይጥዕማ | 
| ሃመማ እንተ ብዝሑ መኽደን ኣልባ ነይኸፍቱ | 
| ህዉኽ ዝብኢ ቀርኒ ይነክስ። ህዉኽ ኣንጭዋ ዝደቀሰ ድሙ ይቕስቅስ | 
| ላምሲ ኢዳ ዝቀርባስ ብእግራ ትሓክኽ | 
| ላምካ አምባሕ ትበለልካ አምበር ዋላ ኣይትታሓለብ | 
| ሌባ ሌባ ተበሉዋስ ሉዋ ሉዋ ዘሉዋ ይመስላ | 
| ሓምሳ ለሚን ንሓምሳ ሰብ ጣዕሚ፡ ንሓደ ሰብ ሸኽሚ | 
| ሓምቢሱ ዘይኽእል ቀላይ ኣይእቶ፡ ተቓሊሱ ዘይኽእል ቃልሲ ኣይፍቶ። | 
| ሓሪስካ ምብላዕ እንከሎ፡ ክንድዚ ኩርንዒት ዶ ኣሎ | 
| ሓሪጭ ሰይጣን ዚልቃሕ፡ ከይበልዕን ይብል ጋሕ | 
| ሓሰኻ ደምበ ኣብ ዝለምለመሉ፡ ሕማቕ ኣብ ዝፈርሓሉ | 
| ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት | 
| ሓባል መጠመቲኣ ትኮሓል | 
| ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ | 
| ሓደ ከምዘይተወልደ ክልተ ክንዲ ሓደ | 
| ሓደ ከይጽምብሩ፡ ጾሞም ይሓድሩ | 
| ሓደ ዓመት ከይመሃሩ፡ ፯ ዓመት ይሓፍሩ | 
| ሓደ ዝወሳዲኡ፡ ብዙሓት ተሓማይኡ | 
| መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕኻዮም ይመጹ | 
| ተባዕታይ ደርሆ እንተነቀውሲ፡ መሬት ብሳላኡ ትወግሕ ዘላ ይመስሎ፧ | 
| ብልዒ ሓላፋይ፡ ሽም ተራፋይ | 
| ዑፉን ከም ሰብኣይ የጭሕም እሞ ከም ቆልዓ ይሕዘል | 
| ካብ ጉይይ ምውዓል፡ ክሳድ ምሓዝ | 
| ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደ ሃ ተዘይለመደ ጥራጥ ለመደ | 
| ጉይይ ካብ ምውዓል ክሳድ ምሐዝ | 
| መን መርዓት ምስ በለክን ትኩሓላ፧ | 
| መምሃርን ኣይግበርካ፡ መምሃርን ኣይኽላእካ። | 
| ዓይኒ ኸዳዕ ነባዕ | 
| ሓሳውን ቆርበትን እንዳሓደረ ይፎክስ። | 
| ጊሔስ ክንዲ ትስተርሲ ትግተር | 
| ዘረባ ብሩር፡ ስቕታ ወርቂ | 
| ደርሆ ሓሚማትካስ በጊዕ ትሓርደላ | 
| ኦም ረኺበ ኢልካ ኣይተጽልል፡ ጓና ፈቲየ ኢልካ ሓውኻ ኣይተቃልል | 
| ዘይተማህረ ነይድሕን፡ ዘይተወቕረ ነየጥሕን | 
| ካብ ሕሱም ጎረቤት፡ ካብ እሾኽ ምድርቤት የድሕነና | 
| ክፉእ ካብ ዝገብሩኻስ ክፉእ ዘልምዱኻ | 
| ተጽግበኒ ቅጫ ኣብ ምቅላ ኮላ ይፈልጣ | 
| ተንኮል ንኣላሚኡ፡ ገመድ ንፋሓሲኡ | 
| መን የርድእ ዝቐበረ፡ መን ይምከር ዝዋዓለ | 
| ከም ኣሕዋት ተሓጋገዝ፡ ከም ጓኖት ተጻባጸብ | 
| ኣይትጥለም ኣማኒኻ ከይጠልመካ ፈጣሪኻ | 
| ተመን ዝርአ ብልሕጺ ተዳህለ | 
| ቴዲ | 
| ሕአጋዚአ | 
| ሓጋዚ | 
| ክንዲ | 
| ባርያ ንሓጋዚ | 
| ባርያስያ ንሓጋዚኢ | 
| ብጎራሕ አይትገራህ ብዓሻ አይትመራሕ | 
| ምስ ጸውዑኻ ምጻእ፣ ከይመነውኻ ውጻእ። | 
| ኣንቱም | 
| ምስላ ክአርያ ካብ ቁምነገር ይቀርያ | 
| ኣሕዋት ምስ ሰመሩ | 
| ንነገር | 
| አነ አብ ትምህርቲ አሎኩ | 
| ምሰላታት | 
| ጊሔስ ኣብ ክንዲ ትስተር፡ ትግተር | 
| ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፤ ንዓሻ ደርጉሓሉ ኣበይ ከይርዶኦ። | 
| ሓቂ ዘይብላ መዓኮርሲ ማይ ሰትያ ትጠርጥ |