If you can't read the Tigrigna words on this site, click here for help.

 

Navigation

User login

Welcome Richmond Area Eritreans

Welcome Richmond Area Eritreans to Tewle. I hope you find the site helpful.

Here are the links to lessons:
Body Parts (አካላት ሰውነት)   Take a Quiz
Colors (ሕብርታት)

Personal Pronouns

• • •

Welcome to Tewle

Dear Visitors,

We are currently working very hard to finish up tewle. In the mean time, please feel free to send us your suggestions and comments.

Thank you,

Team Tewle.

• • •

Letter Test Page

Flash cards
• • •

ጥዑም ቃል ብስራት

ክርስትያን ተዓጠቕ ንጎይታኻ ኣመስግን
ልብኻ ምስ ኢድካ ናብ ኣምላኽካ ኣልዕል
መድሕን ተወሊዱ ቃል ብስራት ንገር
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣመስግን ብመዝሙር
ጥዑም ቃል ብስራት ኣብ ምድሪ ተሰምዔ
ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ
ጌና ይመስል ኔሩ ጊዜኡ ዘይበጽሐ
ብምዱብ ግዜ ግን መድሕንና ተወልደ
ኣስማዕ ድምጺ ኣዋጅ ዝተነግረ ብነብያት
የሱስ ከም ተወልደ ተራኣዮም ንጛሶት
ተገልጸ ንዓለም ኮነ ድሕነት ነፍሳት
እልል በል ተሓጎስ ናብ ኣምላኽካ ኣድህብ
ጥዑም ቃል ብስራት ኣብ ምድሪ ተሰምዔ
ኣብ ቤት ልሄም ይሁዳ ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ
ጌና ይመስል ኔሩ ጊዜኡ ዘይበጽሐ
ብምዱብ ጊዜ ግን መድሕንና ተወልደ
እቲ ቀዳማይ ኣዳም ሞተ ብሓጥያቱ
ኣምላኽ ጸገወና ብዘይውዳእ ምሕረቱ
እመን ንክትድሕን የሱስ ተወሊዱ

• • •

ባህገይ ተሰለሚ

ባህገይ ተሰለሚ

ኣንቲ ኣነ'ሞ እንታያለኒ እንታያለኒ እንትርፎ ሕልሚ
ባህገይን ሕልመይን እወ ንሱ ተሰለሚ

ኣንቲ ኣነ'ሞ እንታያለኒ እንታያለኒ እንትርፎ ሕልሚ
ባህገይን ሕልመይን እወ ንሱ ተሰለሚ

ቀይሕ ምንጻፍ ከንጽፈልኪ
ኣብ መገዲኺ ሆሳእና ክንስንሰልኪ

ከምኡ ‘ብህግ ከሐንቅቐኪ ክረርወኪ
ኣይተኻእለን ዑምቀት ሕልመይ ይኣኽለኪ
ልብስኺ ክኸውን ቅጭን ቋረ
ሓሳብኪ ክሰምር ከይተሰብረ
ኢድ 'ንዶሞ ሓጺሩኒ ትምኒተይ ጥራይ ተሰለሚ
ኢድ 'ንዶሞ ሓጺሩኒ ትምኒተይ ጥራይ ተሰለሚ

ኣብ ድቃሰይ ሃረር ዝብሎ 'ቲ ዝስእሎ
ሕጉስ ይብል 'ቲ ድሌትኪ ኩሉ 'ኽእሎ
ምስ ወግሐ ግን ሓላል ይስእነልኪ
'ታ ማዕተበይ ትኹን ስልማትኪ

ክቕንጥጦ 'ቲ ማዳኺ
ከም ተኽሊ ገደና ክሕብሕበኪ

• • •

ምሳና ዝጻወት

ምሳና ዝጻወት ወት ወት ወዲ ዓወት
ምሳና ዝጻወት ወት ወት ወዲ ዓወት
ምሳና ዝጻወት ወት ወት ወዲ ዓወት

ህጻናት ንዑ ተጻወቱ
ምሳና ኰንኩም ተደሰቱ

ህጻናት ንዑ ተጻወቱ
ምሳና ኰንኩም ተደሰቱ

ምሳና ዝጻወት ወት ወት ወዲ ዓወት
ምሳና ዝጻወት ወት ወት ወዲ ዓወት
ምሳና ዝጻወት ወት ወት ወዲ ዓወት

ህጻናት ንዑ ተጻወቱ
ምሳና ኰንኩም ተደሰቱ

ህጻናት ንዑ ተጻወቱ
ምሳና ኰንኩም ተደሰቱ

ብኽምስታ ብፍሽኽታ
ንጻወት ብደስታ

ህጻናት ንዑ ተጻወቱ
ተደሰቱ ተደሰቱ

ህጻናት ንዑ ተጻወቱ
ተደሰቱ ተደሰቱ

ምሳና ዝጻወት ወት ወት ወዲ ዓወት
ምሳና ዝጻወት ወት ወት ወዲ ዓወት

• • •

ሕጂ ግርም

ሕጂ ግርም ግርም ሕጂ ግርም
ሕጂ ግርም ግርም ሕጂ ግርም
ሕጂ ግርም ኮነ ሕጂ ግርም
ሕጂ ግርም ኮነ ሕጂ ግርም

ሕጂ ግርም ግርም ሕጂ ግርም
ሕጂ ግርም ግርም ሕጂ ግርም
ሕጂ ግርም ኮነ ሕጂ ግርም
ሕጂ ግርም ኮነ ሕጂ ግርም

ሕጂ ግርም ሕልመይ ሰሚሩለይ
ምስ ልበይ ዘሚራ ማመተይ
ፈውሶም ተረኺቡ መትነይ ጂማውተይ
ፍስህስህ ኢሉዋ መቺኡዋ ነብሰይ

ኣስሒቱ ኣስናንኪ ሰርቢ ዝሓጸቦ
'ዚ መንቀጺ ዓይኒ ሪኢኻ ዘይትጸግቦ
ስሑል የዒንትኺ ብደውካ ዘፍዝዛ
ስጋ ሰብ በሲዐን ልቢ ሰብ ዝሕዛ

ወይኒ ከናፍርኪ ምጸኒ ዝብላ
ከንፈርካ ኣንቂጸን ጸድፊ ዘዘክራ

ኣሽንኳይዶ ጎበዝ ሄዋን ‘ኺ 'ነና
ሕጹብ'ዩ መልክዕኪ ከም ቀስተ ደመና

• • •

ሰማይ

ሰማይ: ብኣብራሃም ኣፈወርቂ

ኩሉ ሓላፋ'ዩ ኢለ ገሚተ
ስግር ጋሻ ውሕጅ ጠሚተ
ይጽዕር ኣለኹ ብተስፋ
ነዛ ሕማቕ እዋን ንኽሓልፋ

እጽዕር ኣለኹ ብዓቕመይ
ቃልስስ መናብርተይ'ዩ ናይ ቀደመይ
ንጊዚኡ'ኳ እንተሓየለኒ እስዕሮ'ምበር ኣይስዕረንን'ዩ ጸገመይ

ተስፋ'ዩ ደገፈይ ተስፋ ኢዩ ሓይለይ
ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝሰምረለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ

ፍሽኽታ ኣመለይ
ኩሉ ጼረ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ
እስዕሮ'ምበር ኣይስዕረንን'ዩ ጸገመይ
ናብራ ከቢዱኒ እንዳማረርኩ
ጥዕና ዘይብሉ ምስራኣኹ

• • •